ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ፡
በዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ፡
መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ።
መዋእል ነኺሳ ኣብ ዕላማ፡
ትእምርቲ ጽንዓት ኰይኑ ስማ፡
ኤርትራ'ዛ ሓበን ውጹዓት፡
ኣመስኪራ ሓቂ ክምትዕወት።
ኤርትራ ኤርትራ፡
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።
ናጽነት ዘምጽኣ ልዑል ኒሕ፡
ንህንጻ ንልምዓት ክሰርሕ፡
ስልጣነ ከነልብሳ ግርማ፡
ሕድሪ'ለና ግምጃ ክንስልማ።
ኤርትራ ኤርትራ፡
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።
Paroles2Chansons dispose d’un accord de licence de paroles de chansons avec la Société des Editeurs et Auteurs de Musique (SEAM)